SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
00:00
00:00

Episode's summary

ኤርትራውያን ምስ ካልኦት ዜጋታት ብምዃን ኣንጻር ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ግጭታት ብዝምልከት ንመሪሕነት ኤርትራ ከሲሱ። ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF) ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩናት እንተጋጢሙ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። ኣብ ድልየት ዝተሞርኮሰ ምምላስ ተመዛበልቲ ክካየድ እዩ" ክብል በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ መንግስቲ እስራኤል፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፡ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ 3,500 ዶላር ኣሜሪካ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣቕሪቡ። ኣብ ሞያሌ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኢትዮጵያ ጠንቂ ምፍንቓል ልዕሊ 10,000 ኬንያውያን ኮይኑ። #sbsaudiopodcast

Episodes

6641-

ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF) ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩናት እንተጋጢሙ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። (ጸብጻብ)

ኤርትራውያን ምስ ካልኦት ዜጋታት ብምዃን ኣንጻር ምምሕዳር ኣብይ ኣሕመድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ግጭታት ብዝምልከት ንመሪሕነት ኤርትራ ከሲሱ። ሓይሊ ሰላም ትግራይ (TPF) ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኩናት እንተጋጢሙ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። ኣብ ድልየት ዝተሞርኮሰ ምምላስ ተመዛበልቲ ክካየድ እዩ" ክብል በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ገሊጹ መንግስቲ እስራኤል፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፡ ብድሌቶም ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ 3,500 ዶላር ኣሜሪካ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣቕሪቡ። ኣብ ሞያሌ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኢትዮጵያ ጠንቂ ምፍንቓል ልዕሊ 10,000 ኬንያውያን ኮይኑ። #sbsaudiopodcast

16 Nov 2026
6640-

ኣብ ጽባሕ ምቁራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት ከመይ ኢሉ'ዩ ንኣውስትራልያውያን ሓደጋ ጸጥታ ሳይበር (Cybersecurity) ከጋጥሞም ዝኽእል፧

ትካላት ንግዲ፣ ንመጻኢ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጸገማት ምቁራጽ ኣገልግሎት ማይክሮሶፍት መሐለውታ ከዳልዋ ክኢላታት የተባብዑ ኣለዉ። #sbsaudiopodcast

16 Nov 2026
6639-

"ህዝቢ'ዩ ቅድሚ ሃገር ዝስራዕ" ሳልሕ፡ "ሃገር እንተ ፈሪሳ ህዝቢ ክህሉ ኣይከኣልን'ዩ" ሃ/ሚካኤል (ሊንጎ)

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ዳግም ካብ ኤርትራ ንምውሳድ "ብዲፕሎማሲ ወይ ብሓይሊ" ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ብዝለዓለ ናህሪ ይገልጽ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነዚ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዝብሎ ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይወስድ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ጎሳጒስካ ኣብ ጎኒ ምክልኻል ሃገሩ ደው ክብል ምግባር እዩ። ነዚ ስዒቡ፡ "ኩሉ ድሕሪ ሃገር" ብምባል ኣብ ጎኒ መንግስትን ሰራዊትን ደው ዝብሉን በቲ ኻልእ ድማ "ፍትሒ ምስዘጉደለ መንግስቲ ሃገር ኣይትድሕንን" ዝብሉ ክትዓትን፡ "ህዝቢ ዶ ሃገር ይቐድም" ዝብል ዘረባታትን ዓሚሮም ኣለዉ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንጠጥዩ ዘሎ ኲነታትን ህዝቢ ዘልዕሎም ዘለዉ ክትዓትን ኣመልኪትና ምስ ሳልሕ ጋዲ ጆሃርን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ (ሊንጎ) ዝተገብረ ዝርርብ) #sbsaudiopodcast

12 Nov 2026
6638-

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝት ትግርኛ (12 ሕዳር 2026)

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (12 ሕዳር 2026) #sbsaudiopodcast

12 Nov 2026
6637-

ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (12 ሕዳር 2026)

ኣርእስታት ዜና፥ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዋዕላ ክሊማ COP31 ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ኣንጻር ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ብቕልጡፍ ዝሓየለ ስጉምቲ ክወስዱ ኣተሓሳሲቡ። ዓቢ መሸጢ ዕዳጋ ዴቪድ ጆንስ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣብ መላእ ሓሙሽተ ግዝኣታት 19 ድኳናት ክዓጽው እዩ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለም ልዕሊ 3,000 ሰባት ብሕማም ኮሌራ ከምዝሞቱን ኣፍሊጡ። #sbsaudiopodcast

12 Nov 2026